2023-04-24 11:35:54
.
ክትሕጐሰላ ዝግባእ ኣብ ኃጢኣት ብተደጋጋሚ ምውዳቕና ኣዝዩ ዘሕዝነና ሰባት ብዙሓት ኢና፣
"ክሳዕ መኣዝ'የ ኣብዚ ኃጢኣት ክነብር" ብዝብል ቁስሊ ኣብ ቃንዛ ዘሎና'ውን ቁጽሪ የብልናን። ገና ኣብቲ ኃጢኣት ምስ ወደቕና እትዝከረና ንስሓ እያ፣
"ሕጂ ከኣ ናብ ኣቦ ነፍሰይ ክኸይድ'የ ማለት ድዩ፧" እናበልና ንንስሓ ዘሎና ጽልኣት ኣብ ምግላጽ ንጽመድ።
ኃጢኣት ምግባርና ከሕዝነና ሠናይ እዩ። ናብ ንስሓ ምኻድ ግና ከመይ ገይሩ ከሕዝነና ይኽእል፧ እኳ ደኣ ናብ ንስሓ ዘይምኻድ እዩ ከሕዝነናን ከጕህየና ዝግብኦ። ምኽንያቱ እቲ ካብ ንስሓ ዝረሓቐ ምንም ሠናይ ዘይርከቦ፡ ኣዝዩ ዘደንግጽ፡ ብደዉ ከሎ ዝሞተ ኮይኑ ኢና ንረኽቦ። ኮታስ ንስሓ ዘይምእታው ማዕረ ክንደይ ከም ዘሕዝን ንምርዳእ እዛ ቅዱስ ዳዊት ካብ ንስሓ ርሒቑሉ ዝነበረ ጊዜ ብምዝካር ዝዘመራ ጥቕሲ ምስትንታንን ምስትውዓልና እኹል እዩ።
"ኃጢኣተይ ከይተናዘዝኩ ስቕ ምስ በልኩ፥ ምሉእ መዓልቲ ብምግዓረይ ሰብነተይ ማህመነ - እስመ አርመምኩ በልያ አዕጽምትየ" (መዝ 32፥3)
ንስሓ እንተ ዘይህሉስ ኣብዛ ምድሪ ዝተርፍ ሰብ ኮነ እንስሳ ዝህሉዶ ይመስለካ፧ ኣነ'ኳ ብፍጹም ኣይመስለንን! ንስሓ ዘይምህላው ንእንስሳ ከይተረፈ ዘጽንት ምዃኑ እየ ዝፈልጥ። እንስሳታት ብጽድቂ ወዲ ሰብ ህያዋን ኮይኖም ከም ዚነብሩ፣ ብኃጢኣት ወዲሰብ'ውን ይሞቱ እዮም። ብዘመን ጻድቕ ኣቦና ኖኅ ብሰንኪ ኃጢኣት ደቂሰብ ብዘይካ እቶም ዘርኢ ንምቕጻል ኣብ መርከብ ኖኅ ዝኣተዉ እንስሳታት ኩሎም ከም ዝጠፍኡ ምዝካር እኹል እዩ።
ኦ ፍቁረይ ካባኻ መልሳ ክሰምዓ ዝደሊ ሓንቲ ኣገዳሲት ሕቶ ኣላትኒ'ሞ ጽን ኢልካ ስምዓኒ! ካብ ንስሓ ርሒቕካ ንኃጢኣት ክትስዕራ ትኽእልዶ ይመስለካ፧ እዛ ሕቶ ዘምጻእኩልካ ምኽንያት
"ቅድም ነቲ ኃጢኣት ክስዕሮ'ሞ ደሓር ተነሲሕና ንቈርብ" ቢሎም ክሳዕ ሕጂ ዘይሰዓርዎ ክስዕርዎ'ውን ዘይክእሉ ኣብ ዘደንግጽ ህይወት ዘለዉ ሰባት ስለ ዘለዉ እየ።
ኮይኑ ግና እቲ ሓቂ ንሱ ድዩ፧ ኣይኮነን። ንሕና ንኃጢኣት እንስሮ'ሞ ካብ ኃጢኣት ዝተሓለወ ህይወት ዝህልወና ዝመስሎም ብዙሓት እዮም። ነገር ግና ንሕና ኣይኮናን ካብ ኃጢኣት እንሕሎ! ካብ ኃጢኣት ዝሕልወናስ እግዚኣብሔር ባዕሉ እዩ።
"እግዚኣብሔር ንኸተማ እንተ ዘይሓለዋ ሓላዊ ንኸንቱ ይነቅሕ።" (መዝ 127፥1) ዝብል ዝማሬ ቅዱስ ዳዊት ካብ ነዛ ከተማ ዝተሰምየት ሰብነትና ዝሕልዋ ንሕና ዘይኮናስ እግዚኣብሔር ምዃኑ ዝዓቢ መልእኽቲ ይህልዋዶ ይመስለካ፧
እምበኣር ፍቁረይ ተነሳሕ እሞ ቁረብ ብኡብኡ እግዚኣብሔር ካብ ኃጢኣት ክሕልወካ፣ ኣብ ልዕሊ ኩሎም ኣካላትካን፡ ኣብ ልዕሊ ኩሎም ሓይሊ ጸላእትኻን ድማ ክሸመካ እዩ። ሽዑ ንስሓ ፍልይቲ ህያብ ፈጣሪ ምዃና ተረዲእካ፣ መፍቀሪ ንስሓ ኰንካ፣ ብንስሓ ወትሩ ክትሕጎስ ኢካ። ኣብ መወዳእታ ነዛ ምሉእ ሓሳብ ደጋጊምካ ንበባ'ሞ ኣስተንትና ኢካ!!!
"ብተደጋጋሚ ኣብ ኃጢኣት ምውዳቐይ ጥራይ ዘይኮነ ዘሕዝነኒ፣ ብተደጋጋሚ ናብ ንስሓ ምጕያየይ'ውን እዩ ዘሐጕሰኒ!"
ናሁ ሠናይ መልአከ ብርሃን
16/ 08/ 2015 ዓ.ም.ግ
24/ 04/ 2023 ድ.ክ.ፈ
Addis Ababa / Ethiopia
✥•◦●◈◎❖◎◈●◦•✥
•➢ //ቤተሰብ ይኹኑ//
✥•◦●◈◎❖◎◈●◦•✥
https://t.me/ReadtoGrow21
━━━━━━━━━━━━━
133 views Σολομών Μελακε , 08:35