Get Mystery Box with random crypto!

📚✝❤️ኣንብቡ ክትዓብዩ/ Read to Grow❤️✝📚

Logo saluran telegram readtogrow21 — 📚✝❤️ኣንብቡ ክትዓብዩ/ Read to Grow❤️✝📚
Logo saluran telegram readtogrow21 — 📚✝❤️ኣንብቡ ክትዓብዩ/ Read to Grow❤️✝📚
Alamat saluran: @readtogrow21
Kategori: Tidak terkategori
Bahasa: Bahasa Indonesia
Pelanggan: 126
Deskripsi dari saluran

ብናሁ ሠናይ መልአከ ብርሃን መንፈሳዊ ጽሑፋት ዝለኣኸሉ ቻነል እዩ።
ንዘለኹም ሃናጺ ዝኾነ ሓሳብ ኮነ ርኢቶ በዚኣ መራኸቢ (Link) ኣኻፍሉኒ! 👉 @Nahusenay1221
" ኣነ ኽሳዕ ዝመጽእ ናብ ምንባብ …… ኣቕልብ። "
(1 ጢሞቴዎስ 4:13)

Ratings & Reviews

3.50

2 reviews

Reviews can be left only by registered users. All reviews are moderated by admins.

5 stars

0

4 stars

1

3 stars

1

2 stars

0

1 stars

0


Pesan-pesan terbaru

2023-04-24 11:35:54 . ክትሕጐሰላ ዝግባእ

ኣብ ኃጢኣት ብተደጋጋሚ ምውዳቕና ኣዝዩ ዘሕዝነና ሰባት ብዙሓት ኢና፣ "ክሳዕ መኣዝ'የ ኣብዚ ኃጢኣት ክነብር" ብዝብል ቁስሊ ኣብ ቃንዛ ዘሎና'ውን ቁጽሪ የብልናን። ገና ኣብቲ ኃጢኣት ምስ ወደቕና እትዝከረና ንስሓ እያ፣ "ሕጂ ከኣ ናብ ኣቦ ነፍሰይ ክኸይድ'የ ማለት ድዩ፧" እናበልና ንንስሓ ዘሎና ጽልኣት ኣብ ምግላጽ ንጽመድ።

     ኃጢኣት ምግባርና ከሕዝነና ሠናይ እዩ። ናብ ንስሓ ምኻድ ግና ከመይ ገይሩ ከሕዝነና ይኽእል፧ እኳ ደኣ ናብ ንስሓ ዘይምኻድ እዩ ከሕዝነናን ከጕህየና ዝግብኦ። ምኽንያቱ እቲ ካብ ንስሓ ዝረሓቐ ምንም ሠናይ ዘይርከቦ፡ ኣዝዩ ዘደንግጽ፡ ብደዉ ከሎ ዝሞተ ኮይኑ ኢና ንረኽቦ። ኮታስ ንስሓ ዘይምእታው ማዕረ ክንደይ ከም ዘሕዝን ንምርዳእ እዛ ቅዱስ ዳዊት ካብ ንስሓ ርሒቑሉ ዝነበረ ጊዜ ብምዝካር ዝዘመራ ጥቕሲ ምስትንታንን ምስትውዓልና እኹል እዩ። "ኃጢኣተይ ከይተናዘዝኩ ስቕ ምስ በልኩ፥ ምሉእ መዓልቲ ብምግዓረይ ሰብነተይ ማህመነ - እስመ አርመምኩ በልያ አዕጽምትየ" (መዝ 32፥3)

     ንስሓ እንተ ዘይህሉስ ኣብዛ ምድሪ ዝተርፍ ሰብ ኮነ እንስሳ ዝህሉዶ ይመስለካ፧ ኣነ'ኳ ብፍጹም ኣይመስለንን! ንስሓ ዘይምህላው ንእንስሳ ከይተረፈ ዘጽንት ምዃኑ እየ ዝፈልጥ። እንስሳታት ብጽድቂ ወዲ ሰብ ህያዋን ኮይኖም ከም ዚነብሩ፣ ብኃጢኣት ወዲሰብ'ውን ይሞቱ እዮም። ብዘመን ጻድቕ ኣቦና ኖኅ ብሰንኪ ኃጢኣት ደቂሰብ ብዘይካ እቶም ዘርኢ ንምቕጻል ኣብ መርከብ ኖኅ ዝኣተዉ እንስሳታት ኩሎም ከም ዝጠፍኡ ምዝካር እኹል እዩ።

     ኦ ፍቁረይ ካባኻ መልሳ ክሰምዓ ዝደሊ ሓንቲ ኣገዳሲት ሕቶ ኣላትኒ'ሞ ጽን ኢልካ ስምዓኒ! ካብ ንስሓ ርሒቕካ ንኃጢኣት ክትስዕራ ትኽእልዶ ይመስለካ፧ እዛ ሕቶ ዘምጻእኩልካ ምኽንያት "ቅድም ነቲ ኃጢኣት ክስዕሮ'ሞ ደሓር ተነሲሕና ንቈርብ" ቢሎም ክሳዕ ሕጂ ዘይሰዓርዎ ክስዕርዎ'ውን ዘይክእሉ ኣብ ዘደንግጽ ህይወት ዘለዉ ሰባት ስለ ዘለዉ እየ።

     ኮይኑ ግና እቲ ሓቂ ንሱ ድዩ፧ ኣይኮነን። ንሕና ንኃጢኣት እንስሮ'ሞ ካብ ኃጢኣት ዝተሓለወ ህይወት ዝህልወና ዝመስሎም ብዙሓት እዮም። ነገር ግና ንሕና ኣይኮናን ካብ ኃጢኣት እንሕሎ! ካብ ኃጢኣት ዝሕልወናስ እግዚኣብሔር ባዕሉ እዩ። "እግዚኣብሔር ንኸተማ እንተ ዘይሓለዋ ሓላዊ ንኸንቱ ይነቅሕ።" (መዝ 127፥1) ዝብል ዝማሬ ቅዱስ ዳዊት ካብ ነዛ ከተማ ዝተሰምየት ሰብነትና ዝሕልዋ ንሕና ዘይኮናስ እግዚኣብሔር ምዃኑ ዝዓቢ መልእኽቲ ይህልዋዶ ይመስለካ፧

እምበኣር ፍቁረይ ተነሳሕ እሞ ቁረብ ብኡብኡ እግዚኣብሔር ካብ ኃጢኣት ክሕልወካ፣ ኣብ ልዕሊ ኩሎም ኣካላትካን፡ ኣብ ልዕሊ ኩሎም ሓይሊ ጸላእትኻን ድማ ክሸመካ እዩ። ሽዑ ንስሓ ፍልይቲ ህያብ ፈጣሪ ምዃና ተረዲእካ፣ መፍቀሪ ንስሓ ኰንካ፣ ብንስሓ ወትሩ ክትሕጎስ ኢካ። ኣብ መወዳእታ ነዛ ምሉእ ሓሳብ ደጋጊምካ ንበባ'ሞ ኣስተንትና ኢካ!!!

"ብተደጋጋሚ ኣብ ኃጢኣት ምውዳቐይ ጥራይ ዘይኮነ ዘሕዝነኒ፣ ብተደጋጋሚ ናብ ንስሓ ምጕያየይ'ውን እዩ ዘሐጕሰኒ!"


ናሁ ሠናይ መልአከ ብርሃን
16/ 08/ 2015 ዓ.ም.ግ
24/ 04/ 2023 ድ.ክ.ፈ
Addis Ababa / Ethiopia
✥•◦●◈◎❖◎◈●◦•✥
•➢ //ቤተሰብ ይኹኑ//
✥•◦●◈◎❖◎◈●◦•✥
https://t.me/ReadtoGrow21
━━━━━━━━━━━━━
133 views Σολομών Μελακε , 08:35
Buka / Bagaimana
2023-04-24 09:22:59
.  ብሂለ አበው ወእማት
ብሂል ኣቦታትን ኣዴታትን
━━━━━━━━━━━━━━━━━

    ምሥጢራት እቲ ምስጉን ዝኾነ እግዚኣብሔር ኣብ ከርሱ ዝጸገበ ሰብ ኣይርከብን እዩ። - እስመ አእምሮ ምሥጢራት ዘእግዚአብሔር ስቡሕ ኢይትረከብ ውስተ ከርስ ጽጉብ


ምንጪ፦ ትር.ማር.ይስሓቅ
ምዕ ፬/ ገጽ ፲፩
30 viewsTHE ONLY ONE, 06:22
Buka / Bagaimana
2023-04-22 10:16:43
+ ቤተ ክርስቲያንና ፀሓይ ኣብ ዘይትዓርበሉ ዘለዓለማዊ መንግስቲ ብዘይምቁራጽ ንምስጋና ድልውቲ ኮይና ትጽበ ዘላ ቤተ ክርስቲያን እያ፡፡

ምንጪ፦ ሕማማት ብትግርኛ፣ ኣሰናዳዊ ዲ/ን ሄኖክ ኃይሌ፣ ተርጓሚ በረኽት ዑቕባጽዮን፣ ገጽ 9፣ ሕጽ 1፣ መስ 1-3
46 viewsTHE ONLY ONE, edited  07:16
Buka / Bagaimana
2023-04-20 19:00:15 "ካብ ዓለም ምንም ኣይደልን"

ካብ ዓለም ምንም ኣይደልን ...፣ ዓለም ምንም ዘድሊ ነገር የብላን... ንጀመርቲ ፈተና ዝኸውን እንተ ዘይኮይኑ ወላ ሓንቲ የብላን። ኣነ ካብ ዓለም ምንም ኣይደልን፣ ዓለም ንዓይ ክትህበኒ ኣይትኽእልን'ያ። ምኽንያቱ ዓለም ምንም ነገር ዘይብላ ድኻ እያ። ኣብ ዓለም ኣነ ዝደልዮ ነገር እንተ ዝህሉ ነይሩ፣ ዓለም መንግሥተ ሰማይ ምኾነት ነይራ... ነገር ግና ከምዚ ንርእያ ዘሎና ምድሪ እያ። ብዘይካ ቁሳዊ ነገር ኣብ ዓለም ምንም ሓድሽ ነገር የልቦን... ብሓቂ ኣነ ግና ሰማያዊ ነገርን ናይ እግዚኣብሔር መንፈስን እደሊ ኣሎኹ!


ምንጪ፦ ፖፕ ሺኖዳ፣ መንፈሳችንን ነጻ ስለማውጣት፣ ትርጉም ቤዛኩሉ በላቸው፣ ገጽ 91፣ ሕ.ጽ 1


✥•◦●◈◎❖◎◈●◦•✥
•➢ //ቤተሰብ ይኹኑ//
━━━━━━━━━━━
https://t.me/ReadtoGrow21
━━━━━━━━━━━
107 viewsTHE ONLY ONE, 16:00
Buka / Bagaimana
2023-04-19 19:00:19 .   ናብ ሰማይዶ ናብ ድኻ

        ሓደ ሰብ ኣብ ጊዜ ጸሎቱ ፍሉይ ተመስጦ ክህልዎ  ኵሎም ኣካላቱ ከሳትፎም ናይ ግድን እዩ። ልቢ ኣምላኽ ቅዱስ ዳዊት "ንእግዚኣብሔር ብመሰንቆ ኣመስግንዎ፣ ዓሰርተ ኣውታር ብዘለዎ በገና ዘምሩሉ።" (መዝ 33፥2) ንዝብል መዝምሩ ቅዱስ ጎርጎርዮስ ክትርጉሞ ከሎ ዓሠርተ ኣውታር ማለት ዓሠርተ ህዋሳት ምዃኖም ይገለጽ፣ ስለዚ ኩሎም ህዋሳት ኣብ ጸሎት ክሳተፉ ኣለዎም። ኣእጋሩ ደው ብምባልን ብምስጋድን፣ ኣእዳዉ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ብምሓዝን ብምዝርጋሕን፣ ኣዒንቱ ቅዱሳት ኣሳእል ኣብ ቅድሚኡ ብምርኣይን ብምንባዕን፣ ልሳን ብምዝራብ፣ ከናፍሩ ንቃሉ ዘለዎ ፍቕሪ ንምግላጽ መጻሕፍትን ኣሳእልን ብምስዓም፣ ኣፍንጫኡ ጥዑም ዝመኣዛኡ ዕጣን ቤተ መቕደስ ብምሽታት፣ ሕልናኡ ብምጥርናፍ ...ወዘይመስሎ፣ እዚ ብምግባር ጊዜ ጸሎቱ ብፍሉይ ተመስጦ ከሕልፎ ይኽእል።

       ነገር ግና እተን ኣእዳው ቅድሚ ናብ ሰማይ ምዝርጋሐን መጀመርያ ናብ ድኻ ክዝርግሓ ኣለወን፣ ከመይሲ ናብ ድኻ ዘይተዘርግሓ ናብ ሰማይ ክዝርግሓ ከመይ ገይረን ድፍረት ክረኽባ ይኽእላ፧ እንታይ ምስ ሃባ ኢየንከ ዝቕበላ፧ ከመይሲ ንጽጉም ከይሓገዝካ ተመስጦ ጸሎት የልቦን።

     ምናልባት ሓደሓደ ሰባት 'ዝምጽወት ዘይብልና' ዝብል ርድኢት ሒዝና ካብ ምምጽዋት ዝረሓቅና ሰባት ብዙሓት ኢና። እንተ ኾነ ግና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ እቲ እንምጽውቶ ደኣ ብዝሒ ክፈላለ ይኽእል እምበር ክምጽውት ዘይክእል ሰብ እግዚኣብሔር ኣይፈጠረን።

      እቲ እንምጽውቶውን ብብዝሒ ኣይኮነን ዝምዘን፣ በቲ ኣብ ልብና ዘሎ ሓሳብ እዩ ዝልካዕ። ብዛዕባ ምጽዋት ክለዓል ከሎ ኣብ ልቢ ኵልና ትዝ እትብለና ኣደ ኣላ፣ ንሳ ብብዝሒ ዝመጽወተቶ ካብ ኵሎም ሃብታማት እታ ዝተሓተ ምጽዋት ዝሃበት እያ፣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ግና እታ ዝበለጸ ህያብ ዝሃበት ኣደ ምዃና መድኃኔ ዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ ብዘይሕሶ ቃሉ መስኪሩላ እዩ። (ሉቃ 21፥1-4)

    እምበኣርከስ ፍቁራተይ! ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ኣብ ኣፍ ደጌኣ ነዳያን ክቕመጡ ዝገበረት ብዕላማ እዩ፣ ኣብ ቤት መቕደስ ኣቲና ቅድሚ ኣእዳውና ናብ ሰማይ ምዝርጋሕና ናብቶም ኣእዳውና ኪንዝርግሓሎም ብሃንቀውታ ዝጽብዩ ንዘርግሓሎም፣ ሽዑ ኣእዳውና ናብ ሰማይ ምስ ዘርጋሕና ተመስጦ ዝዓሰሎ ጸሎት ኣዕሪግና፣ ካብቲ ጐይታ ኵሉ ኵሉ እንደልዮ ክንረክብ ኢና።


✥•◦●◈◎❖◎◈●◦•✥
•➢ //ቤተሰብ ይኹኑ//
━━━━━━━━━━━
https://t.me/ReadtoGrow21
━━━━━━━━━━━
156 views Σολομών Μελακε , 16:00
Buka / Bagaimana
2023-04-19 08:53:07
. ንመን ኢኺ ተፍቅሪ ዘሎኺ

ኦ ነፍሰይ ፍቕሪ ጸሎት፣ መዝሙር፣ ዜማ፣ ማኅሌት፣ ስብሓታት፣ ቅዳሴ፣ ከበሮ፣ ጽሞና፣ ኣገልግሎት፣ ትምህርቲ ሰንበት፣ ስብከት፣ ዲቁና፣ ክህነት፣ ምንኩስና፣ ጵጵስና... ዘለዎም ፍቕሪ እግዚኣብሔር ግና ዘይብሎም ሰባት ከም ዘለዉ ትፈልጢዶ፧

ብርግጽ ነፍሰይ ንእግዚኣብሔር ዲኺ እተፍቅርዮ ወይስ ነቲ ናብ እግዚኣብሔር ዘብጽሓኪ መገዲ ኣብ ነፍስወከፍ ግብርኺ መርምሪ መርምሪ መርምሪ!!!


ምንጪ መበገሲ ሓሳብ፦ ፖፕ ሺኖዳ 3ይ፣ The release of the spirit.

✥•◦●◈◎❖◎◈●◦•✥
•➢ //ቤተሰብ ይኹኑ//
━━━━━━━━━━━
https://t.me/ReadtoGrow21
━━━━━━━━━━━
101 views Σολομών Μελακε , edited  05:53
Buka / Bagaimana
2023-04-14 19:16:47 "ብክይዎ ወላህውዎ እለ ታፈቅርዎ"
"እቶም እተፍቅርዎ ፍጹም ብኽያት ብኸይሉ"

ሓደ ካብ መንጎ ዓሠርተው ኣርባዕተ ቅዳሴታትና ዲያቆን ብዘርኅሩኅ ዜማ "ብክይዎ ወላህዉዎ እለ ታፈቅርዎ" እናበለ ንምእመናን ይእውጅ፡፡ እዚ ኣዋጅ፡ "ንኢየሱስ ክርስቶስ እተፍቅርዎ ዝበጽሖ ግፍዒ እናሓሰብኩም ፍጹም ብኽያት ብኸይሉ" ማለት እዩ።

ብድሕሪዚ ዲያቆን ቃጭል እናሃረመ ታቦት እናዞረ ምስ ምእመናን ብሕብረት "ዬ ዬ ዬ አማኑኤል አምላክነ፡ ዬ ዬ ዬ ኢየሱስ መድሀኒነ፡ ዬ ዬ ዬ ክርስቶስ ንጉስነ" እናበሉ ምስ ካህና እናተቐባበሉ ይዝይሙ፡፡ እዚ ዜማ ብተመስጦ መከራ ጎይታና ንዝሓስብ ሰብ ንብዓቱ እናኣፍሰሰ ዝበኽየሉ ናይ ቅዳሴ ኣዝዩ ዓሚቕ ተመስጦ ክኸውን ከሎ ትርጉሙ ከኣ "ዋይ! ዋይ! ዋይ! ኣማኑኤል ኣምላኽና፡ ዋይ! ዋይ! ዋይ! ኢየሱስ መድሕንና፡ ዋይ! ዋይ! ዋይ! ክርስቶስ ንጉሥና" ማለት እዩ፡፡


ምንጪ፡- ሕማማት፣ ኣሰናዳዊ ዲ/ን ሄኖክ ኃይሌ፣ ተርጓሚ በረኽት ዑቕባጽዮን፣ ገጽ 166፣ ሕ.ጽ 1-2


✥•◦●◈◎❖◎◈●◦•✥
•➢ //ቤተሰብ ይኹኑ//
━━━━━━━━━━━
https://t.me/ReadtoGrow21
━━━━━━━━━━━
77 viewsTHE ONLY ONE, 16:16
Buka / Bagaimana
2023-04-03 11:40:43
ኣርእስቲ መጽሓፍ/ Title፦
መድሎተ ጽድቅ፣ ቅጺ ፪
ብዝሒ ገጽ/ Pages፦ 425
ዓይነት መጽሓፍ/ Type of Book፦ ዕቅበተ እምነት/ Apologetics
ጸሓፊ/ Writer፦ ዲ/ን ያረጋል አበጋዝ
ተርጓሚ/ Translator፦ ዘ. ኃይለ ባህልቢ
ሕታም፦ ካልኣይ
ቦታ/ location፦ 4 ኪሎ/ ኣዲስ ኣበባ/ ኢትዮጵያ
ቁ.ስ/ Tel፦ +251994699595
100 viewsTHE ONLY ONE, 08:40
Buka / Bagaimana
2023-04-03 11:40:42
ኣርእስቲ መጽሓፍ፦ መድሎተ ጽድቅ፣ ቅጺ ፩
ብዝሒ ገጽ፦ 505
ዓይነት መጽሓፍ፦ ዕቅበተ እምነት/ Apologetics
ጸሓፊ፦ ዲ/ን ያረጋል አበጋዝ
ተርጓሚ፦ ዘ. ኃይለ ባህልቢ
ሕታም፦ ካልኣይ
ቦታ/ location፦ 4 ኪሎ/ ኣዲስ ኣበባ/ ኢትዮጵያ
ቁ.ስ/ Tel፦ +251994699595
84 viewsTHE ONLY ONE, 08:40
Buka / Bagaimana
2023-03-16 19:01:09
. ብሂለ አበው ወእማት
ብሂል ኣቦታትን ኣዴታትን

     "ኣብ ዓበይቲ ኃጢኣት ከይትወድቅሲ ካብ ናእሽቱ ተሓሎ/ ተዓቀብ እም ንኡሳት ከመ ኢትደቅ ውስተ ዓቢያት"

እቶም ናእሽቱ ተባሂሎም ዘለዉ፦ ምርኣይ፡ ምስማዕ፡ ዓቐን ዘይብሉ ብልዕን መስተን፡ ኣብ ቦታ ኃጢኣት ምርካብ፡ ኣብዚሕካ ምድቃስ/ ኣብዝሖ ንዋም፡ ክፉእ ምሕሳብ/ ኀልዮ ኃጣውእ

ምንጪ፦ ማር ይስሐቅ፣ መጽሐፈ መነኮሳት፣ አንቀጽ 1/፩፣ ምዕራፍ 4/፬


✥•◦●◈◎❖◎◈●◦•✥
•➢ //ቤተሰብ ይኹኑ//
━━━━━━━━━━━
https://t.me/ReadtoGrow21
━━━━━━━━━━━
104 views Σολομών Μελακε , 16:01
Buka / Bagaimana